ቤት ጽሕፈት ናጻ ጥርዓን ጥርዓን እቲ ጉዳይ እንታይ ይኹን ብዘየገድስ ንኹሉ ኣብ ልዕሊ ቤት ጽሕፈታት በርሊን ዝቐርብ ጥርዓናት ብዘይ ቢሮክራስያዊ ኣገባብ ይወስድ። ንኣብነት ጸገማት ኣገልግሎት ምስ ላፍ/ጆብሰንተር ፧ ጸገም መሳረሕታት ኣብቲ መንበሪ ወይ ውን ኣድልዎ ብሰራሕተኛታት ኣዝዩ ነዊሕ ትጽቢት ኣብ ቤት ጽሕፈት መዝገብ ወይ ቤት ጽሕፈት ድሕነት መንእሰያት።

ጉጅለ ቤትጽሕፈት ጥርዓናት በርሊን ንዂሎም ኣብ በርሊን ዝተመዝገቡ ስደተኛታትን ደገፍቶምን ንኽሕግዝ ተዳልዩ ኣሎ። ጥርዓንኩም ብናይ ኣደዂም ቋንቋ ንወስድ።  ንሕና 16 ቋንቋታት iዓረብኛ፣ ኣዘርባጃን፣ ዳሪ፡ ጀርመንኛ፣ እንግሊዝኛ፣ ፋርሲ፣ ፈረንሳ፣ ኩርዲ፣ ማኒንካ፣ ፓሽቶ፣ ሩስያ፣ ጆርጅያዊ፣ ቋንቋ ቭየትናም፣ ትግርኛ፣ ቱርኪን ዩክሬንኛን ንዛረብ። ምትርጓም ቋንቋ ምልክትን ካልእ ቋንቋታትን ከነዳሉ ንኽእል ኢና። ንዛረብ ። ንኻልኦት ቋንቋታትን ናይ ምልክት ቋንቋን እውን ዝሕግዙ ከነዳሉ ንኽእል እና።

ቤት ጽሕፈት ናጻ ጥርዓናት በርሊን  ብወግዒ ብምምሕዳር ስኔት በርሊን ዝተኣዘዘ ኮይኑ፤ ካብ ቤት ጽሕፈታት በርሊንን (በሆርደ) ኣካየድቲ መንበሪ ኣባይትን ግን ነጻ እዩ iእዚ ማለት፤
• እቶም ቤሆርደታትን ሓለፍቲ ናይ ሓባር ገዛውትን ሓለፍትና ወይ መሳርሕትና ኣይኮኑን።
• ቤሆርደታትን ሓለፍቲ ናይ ሓባር ገዛውትን ዝኾነ ዳታ፣ ሰነድ ወይ ሓበሬታ ካባና ክሓቱ ኣይክእሉን እዮም።

ኩሉ ዝርርባት ምስጥራዊን ስሞም ከይተገልጸ iእዚ ማለት ስም ናይቲ ጥርዓን ዘቕረበ ሰብ፡ ዝርዝር ርክብ ወይ ኣብ BuBS እንታይ ከም ዝተዘራረበ ንዝኾነ ሰብ ኣይንነግሮን ኢና – እንተዘይደልዩ። እቶም ጥርዓን ዘቕረቡ ሰባት እውን ስሞም ክዛረቡ ኣይግደዱን። ክተርፍ ይኽእል።

እቲ ሓገዝ ብናጻ እዩ።

መን ክረኽበና ይኽእል

• ኣብ በርሊን ዝተመዝገቡ ስደተኛታት ኣብ መንበሪ ወይ ኣብ ኣፓርታማ ምህላዎም ብዘየገድስ።
• ካብ ሓገዝ ስደተኛታት ዝመጹ ናይ ምሉእ ግዜ ሰራሕተኛታት።
• ወለንታውያን ሰራሕተኛታት።

ፍቓድ ዘለዎም ደገፍቲ ካብቲ ስደተኛ ፍቓድ የድልዮም።

ፖድካስትና

ነጻ ቤት ጽሕፈት ጥርዓናት በርሊን ከመይ ከም ዝሰርሕን ኣየኖት ጉዳያት ክትረኽቡና ከም እትኽእሉን ኣብ ፖድካስት ኣጠቓሊልናልኩም ኣለና።

ሕቶታትን መልስታትን

h

ዓመታዊ ጸብጻብ

ዝያዳ ብዛዕባና

ዓወታት