ሕቶን መልስን ብዛዕባ መስርሕ ናይ ነጻ ማእከል ጥርዓን በርሊን
ዝኸበርኩምን
ዝኸበርክንን
ጥርዓንኩም ብኸምዚ ዝስዕብ ኣገባብ ናብ ነጻ ማእከል ጥርዓን በርሊን ከተቕርቡ ትኽእሉ።
ግላዊ ሓበሬታኺ/ኻ ክእከብን ክረአን እዩ። ብመሰረት መምርሒታት ሕብረት ኤውሮጳን ጀርመንን፣ ነጻ ማእከል ጥርዓን በርሊን ብዛዕባ እቲ ዝካየድ መስርሕ ክሕብር ግዴታ ኣለዎ። እዚ ሓበሬታ እዚ ነዚ ዝተባህለ ዕላማ እዩ ዝውዕል።
ነጻ ማእከል ጥርዓን በርሊን እንታይ ይገብር?
ነጻ ማእከል ጥርዓን በርሊን ብዛዕባ ዝተፈላለየ ጉዳያት ከተቕርብ ዕድል ይህብ። እዚ ማእከል ካብቶም መንበሪ ዝህቡ ወይ ካልእ ኣገልግሎታት ዘቕርቡ ትካላት ፣ ብምምሕዳር ይኹን ወይ ብሕጋዊ መስርሕ ዝተፈልየን ርእሱ ዝኸኣለን እዩ። ነጻ ማእከል ጥርዓን በርሊን ኣብ ንሕጊ ብዝተመልከት ዝኾነ ይኹን ስራሕ ኣይፍጽምን እዩ።
ጥርዓነይ ናብ ነጻ ማእከል ጥርዓን በርሊን ምስ ኣቕረብኩ እንታይ የጋጥም?
ብሕጋዊ ምኽንያት እቲ ነጻ ማእከል ጥርዓን በርሊን ንጥርዓንካ ባዕሉ ክምርምሮን ከሳልጦን ኣይክእልን እዩ። ኣብ ክንድኡ ግን ነጻ መእከል ጥርዓን በርሊን ጥርዓንካን ሕቶታትካን ይቕበልን ይርእይን፣ ኣድላዪ ስጉምቲ ብምውሳድ ድማ ሓላፍነት ዝወስድ ኣካል የለሊ።
ዘቅረብክዎ ጥርዓነይ ናይ Landesamt für Flüchtlingangelegenheiten (LAF) ሓላፍነት ምስ ዝኸዉን እንታይ የጋጥም?
እቲ ዘቕረብካዮ ጥርዓን ምስ LAF ዝህቦ ኣገልግሎታት ዝተኣሳሰር እንድሕሪ ኮይኑ (ንኣብነት ጉድለት ኣብቲ ብ Landesamt für Flüchtlingangelegenheiten (LAF) ዝመሓደር ናይ ሓባር መንበሪ ቦታታት) እቲ ጥርዓን ናብዚ ኣካል እዩ ዝቐርብ። LAF ነዚ ጥርዓን እዚ ብዝተኻእለ መጠን ቀልጢፉ ክምርምሮ ግደታ ኣለዎ፣ ከም ውጽኢት ድማ ነቲ ጥርዓን ንኽፈትሕ ኣየናይ ስጉምትታት ክወስድ ከምዘለዎ ይውስን።
ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት፣ ጥርዓንኩም ብቐጥታ ናብ ናይ LAF ጥርዓን ማእከል ክትውከሱ ትኽእሉ።
ኣድራሻን ካልእ ሓበረታን ብኢንተርኔት ወይ በዛ ትስዕብ ኣድራሻ ክርከብ ይከኣል: https://www.berlin.de/laf/wohnen/informationen-zum-betrieb-von-unterkuenften/qualitaetssicherung/።
ናብ ነጻ ማእከል ጥርዓን በርሊን ይኹን ናብ LAF ዝቀርብ ጥርዓናት ኩሉ ጭቡጥን ሕጋውን ዝኾን ኣረኣእያ እዩ ዝግበረሉ፣ ብሓደ ዓይነት መልክዕ ድማ እዩ ዝምርመር።
ጥርዓነይ ድሕሪ ምቕራበይ እንታይ የጋጥም?
ብሕጋዊ ምኽንያት፣ LAF ዉሳነ ናይቲ ጥርዓን ብ ነጻ ማእከል ጥርዓን በርሊን ኣቢሉ ክሕብር ኣይክእልን እዩ። ስለዚ ነዚ ውሳነ ብ ነጻ ማእከል ጥርዓን በርሊን ዘይኮነስ ብ LAF ኢኻ ትረኽቦ። በዚ ምኽንያት እዚ፣ ውጽኢት ጥርዓንካ ክትፈልጦ መወከሲ ሓበረታኻ (ኣድራሻ ወይ E-mail) ናብ LAF ክለኣኽ ኣለዎ።
ጥርዓነይ ን LAF ዘይኮነስ ን ካልእ ኣካል ዝምልከት ምስዝኸውን እንታይ የጋጥም?
LAF ዘይኮነስ ካልእ ናይ በርሊን ኣካል ንምምርማር ጥርዓንካ ሓላፍነት እንድሕሪ ሃልይዎ (ንኣብነት Bezirksamt, Jobcenter, Ausländerbehörde ወይ ካልኦት ኣካላት) ነጻ ማእከል ጥርዓን በርሊን ኣድራሻኻን ጥርዓንካን ናብቲ ቤት ጽሕፈት ክትሰዶ ኢያ። ብተወሳኺ ግን፣ ብምኽንያት መስርሕ ናይ በርሊን ቤት ጽሕፈታት፣ ነጻ ማእከል ጥርዓን በርሊን ነቲ ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል ብዛዕባ ውጽኢት ጥርዓንካ ክሕብረካ ከተገድድ ኣይትኽእልን እያ። ከምዚ ዝኣመሰለ ግዴታ፣ ናብ LAF ዝመሓላለፍ ጥርዓናት ጥራይ እዩ ዝከኣል።
ጥርዓነይ ብኸመይ ጠቃሚ ክኸውን ይኽእል?
ስደተኛታት ጥርዓኖም ብምቕራብ ዝተፈላለየ ጉድለታት ብምልላይ፣ ብዞባዊ መንግስቲ በርሊን (Senat) ኣኽቢሩ ዝርአ፣ ንምምሕያሽ ናይቲ ዝግበር ኣገልግሎታት ዓቢ ኣበርክቶ እዮም ዝገብሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፣ ነጻ ማእከል ጥርዓን በርሊን ጥርዓንካ ተቐቢሉ ናብ ኣድላዪ ኣካል ይሰድድ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነቲ ዝተቐበሎ ጥርዓን ኣብ statistics ተመርኲሱ ይምርምሮ። ናይ ግላዊ ሓበሬታ ግን ኣብዚ statistics ኣይምዝገብን እዩ። እዚ statistics ብምምሕዳር በርሊን ሓቤረታ ብዛዕባ ቑጽርን ምኽንያትን ናይቲ ዝተቐበልዎ ጥርዓናት ንምርካብ እዩ ዝጠቅም። ገምጋም ናይዚ statistics ወትሩ ናብ ምስ ነጻ ማእከል ጥርዓን በርሊን ዝተኣሳስር ኮሚተ (ኣማኻሪ ቦርድ) እዩ ዝመሓላለፍ። እዚ ኮሚተ ሰበ ስልጣን፣ ተወከልቲ ሲቪላዊ ማሕበራትን ስደተኛታትን ዘጠቓልል እዩ። ብመሰረት እቲ ብ statistics ዝተራእየ ገምጋም ናይ ጥርዓናት፣ እዚ ኮሚተ እዚ ነቲ ጥርዓን ዝፈትሕ መሰረታዊ ኣድላዪ ዝበሎ ለውጥታት ይውስን (ንኣብነት እብቲ ኣብ ሞንጎ LAFን ኣመሓደርቲ ናይ ሓባር መንበሪታት ዝግበር ኮንትራት ምቅይያራት ወይ ምምሕያሻት ዘድሊ እንተድኣ ኮይኑ)።
ነጻ ማእከል ጥርዓን በርሊን ክትቅበሎ ዘይትኽእል ጥርዓን ኣሎዶ?
ብሕጋዊ ምኽንያት ነጻ ማእከል ጥርዓን በርሊን ኣስማት ናይ ካልኦት ሰባት ዝጥቀሰሉ ጥርዓናት ክቕብል ኣይክእልን እዩ (ንኣብነት ኣስማት ናይ ሰበ ስልጣንን ሰራሕተኛታትን ነበርትን ናይ ሓባር መንበሪታት ዝጥቀሰሉ ጥርዓናት)። ከምዚ ዝኣመሰለ ጥርዓናት፣ ናብቲ ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል (ንኣብነት LAF) እዩ ክውሰድ ዘለዎ።
ምስ ፈደራላዊ ኣካል (ንኣብነት Bundesamt für Migration und Flüchtlinge – BAMF ወይ ካልእ ኣካል) ዝተሓሓዝ ጥርዓን ብነጻ ማእከል ጥርዓን በርሊን ተቕባልነት የብሉን።
ከምዚ ዝኣመሰለ ጥርዓናት ምስ እትቕርብ፣ ሰራሕተኛታት ናይ ነጻ ማእከል ጥርዓን በርሊን ናብ ኣበየናይ በት ጽሕፈት ክትውከስ ከም ትኽእል ክነግሩኻ እዮም።
ግላዊ ሓበሬታይ ብኸመይ እዩ ዝሕሎ ?
ነጻ ማእከል ጥርዓን በርሊን ብምምሕዳር በርሊን ንነበርቲ በርሊን ዝኾኑ ስደተኛታት ዝህቦ ወለንታዊ ኣገልግሎት እዩ። ነጻ ማእከል ጥርዓን በርሊን ሕጊ ብዝምልከት ዝኾነ ዓይነት ስለ ዘይትፍጽም ትእክቦ ግላዊ ሓብሬታኻ ንጥርዓንካ ንምስላጥ ጥራይ እያ ትጥቀመሉ፣ ነዚ መስርሕ ሓበሬታ ብንጹር እንተድኣ ፍቓደኛ ክይንካ ጥራይ እዩ። ብመሰረት እዚ ዝስዕብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ምስርሕ ሓበሬታ (Art. 7 Datenschutz-Grundverordnung (DS-GVO), deren Voraussetzungen in Art. 4 Nr. 11 DS-GVO definiert werden,) ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ትሕቲ “መግለጺ ብዛዕባ ድሕነት እኩብ ሓበሬታ” ክርከብ ይከኣል።
ሕቶታት እንተድኣ ሃልዩኒ ወይ ገለ ነገር እንተ ዘይተረዲኡኒ ወይ ዝያዳ ሓበሬታ እንድሕር ኣድሊዩኒ ናብ መን ክዉከስ እኽእል?
ንሰራሕተኛታት ነጻ ማእከል ጥርዓን በርሊን ብዛዕባ ጥርዓንካ ክትውከሶም ትኽእል ኢኻ። ሕቶታትካ ብሓጎስን ብቕዓትን ክምልሱልካ ክፍትኑ እዮም።