ብዛዕባ ቤት ጽሕፈት ጥርዓናት በርሊን (ቦብስ )

መን ኢና ንሕና

ንሕና ካብ ስደተኛታት ፤ሰራሕተኛታት መንበሪ ኣባይቲ ወይ ሰባት ካብ ሓገዝ ስደተኛታት ዝመጽእ ጥርዓናት ናብቲ ሓላፍነት ዝስከም በዓል መዚ በርሊን ንምትሕልላፍ ዝቕበል ማእከላይን ነጻን ቤት ጽሕፈት ኢና።

ሰናት በርሊን (SenASGIVA ክፍሊ ዕዮ፡ ማሕበራዊ ጉዳያት፡ ጾታዊ ማዕርነት፡ውህደትን ፡ ብዙሕነት ጸረ ኣድልዎን ንዮሃኒተር-ኡንፋል ሂልፈ ምስ  ቤት ጽሕፈት ጥርዓን በርልን ብሓባር ከካይድ ፍቓድ ተዋሂቡዎ። እቲ ናይ ሓገዝ ትካል ዮሃንታ (Johanniter-Unfall-Hilfe e.v.) ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መዳያት ንጡፍ እዩ። ዋላ እዃ ቦብስ ብሰናት ፈርቫልቱግ ዝምወል ይዂን ከም ትካል ግን ካብኡ ናጻ እዩ። ብፍላይ ከዓ ካብ ቤሆርደታትን ካብ ኣካየድቲ ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ ነጻ እዩ።

ጉጅለና ብቡዝሕነታ ትልለ። ካብ ዝተፈላለያ 15 ሃገራት ዝመጻና ኮይና 16 ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ንዛረብ። ብዙሓት ካብ ሰራሕተኛታትና ንባዕሎም  ድሕረ ባይታ ናይ ስደት ኣለዎም። እዝ ብዙሕነት እዚ ንኩሉ ብዚበለጸ ንክንርዳእ ይሕግዘና።

ዕላማና፤

  • ምምሕያሽ መነባብሮ ኣብ በርሊን ዝነብሩ ስደተኛታት
  • ምስ ስደተኛታት ቤሆርደታትን ምስ ኣካየድቲ መንበሪ ናይ ሓባር ኣባይቲን ብሓባር ብምዃን ዝበለጸ ፍታሕ ንምርካብ።
  • ኣብ ናይ በርሊን ቤሆርደ ንስደተኛታት ምቹእን ዝሓሸን ፕሮሰስ ንክህሉ ምግባር።
  • ንስደተኛታት መሰላቶም ክፈልጡ ምሕጋዝ።
  • ንኣካየድቲ መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ዃሊተትማነጅመንት ምሕጋዝ።

ጉጅለ

ብዙሕነትና ንዓና ጸጋና እዩ። 30 ዝበጽሑ ካብ 15 ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ሰራሕተኛታት ንኣብ በርሊን ዝነብሩ ስደተኛታት ንምሕጋዝ ኣብ ዝተፈላለየ ጉጅለ ተጎጅሎም ይሰርሑ። ገሊኦም ካብ ሰራሕተኛታትና ንቶም ናባና ዝመጹ ሰባት ናይ ባዕሎም ናይ ስደት ተመኹሮ የካፍልዎም።

ጉጅለና ብ ላይቱንግስ ቲም፤ ረፈራንት፤ ፈርቫልቱንግ ቲም ፤ በሽቨርደሎትዘ፤ ሶስኣልኣርባይታን ነትቨርኪ ኮርድናቶረን ዝቖመት እያ።

ኣብዚ ሕዚ ግዘ እዞም ዝስዕቡ ቋንቋታት ንዛረብ፦ ዓረብኛ፣ ኣዘርባጃን፣ ዳሪ፣ ጀርመንኛ፣ እግልዝኛ፣ ፋርሲ፣ ደረንሰኛ፣ ኵርዲ፣ማንንካ፣ ፓሽቱ፣ ሩስሽ፣ ጆርጅያዊ፣ ቋንቋ ቭየትናም፣ ትግርኛ፣ ቱርኪን ኡኩራእንሽን። ነይ ምልክት ቋንቋን ናይ ካልኦት ቋንቋታት ከተርጉመ ዝክእሉ ከነዳሉ እውን ንክእል እና።

እት ሓሳብ ፒሎት ፕሮጀክት ካበይ መጽኡ

እቲ ሓሳብ ካብ ኣዝዩ ፍሉይ ዛንታ ዝመጸ እዩ፤

ኩሉ ኣብ 2017 ብጉጅለ 40 ውፉያት ስደተኛታት ደቂ ኣንስትዮ ካብ ፓንኮቭ ዝጀመረ ኮይኑ፡ ኣብ በርሊን ናጻ ቤት ጽሕፈት ጥርዓናት በጺሑ። እዘን ዝተፈላለየ ዕድመን ድሕረ ባይታ ዘለወንን ደቂ ኣንስትዮ “ናይ ምክትታል ጉጅለ” ኮይነን። ብድሕሪ ኣፍደገ ማሕበረሰባዊ መንበሪ ኣባይቲ በርሊን ዝፍጸም ዘሎ ንህዝቢ ንምግላጽ ቃል ኣትዮም ኣለዉ። ዕላምኣ ድምጺ ክትህብን ነቶም እንተዘይኮይኑ ከይተዓዘቡ ዝኸዱ ሰባት ክትሰምዕን እዩ ነይሩ። ጉጅለ ምክትታል ምስ ቤት ጽሕፈት ውህደት ፓንኮው ብምዃን፡ ንኣርባዕተ ኣገደስቲ ባህርያት ዘለዎም፡ ናጻ፡ ትሑት ደረት ዘለዎ፡ ብዙሕ ቋንቋታትን ንጡፍን ዝኾኑ ናጻ ስርዓተ ጥርዓናት ዝኸውን ሞዴል ፕሮጀክት ኣምር ኣዳልዩ። ኣብ በርሊን ኣብ ዝርከብ መዕቆቢ ስደተኛታት ኩነታት መነባብሮ ንምምሕያሽ ብናይ ሰኔት ምምሕዳር (SenIAS) ፈተነ ፕሮጀክት ተጀሚሩ። ስደተኛታት ነበር ነበርቲ እቲ ናይ ሓባር መንበሪ ኣባይቲ ስክፍታታቶም ንምፍታሕን ጸገማት ንምፍታሕን ሓጊዞም። እቲ ፕሮጀክት ዕዉት ኮይኑ፡ ካብ “ቤት ጽሕፈት ናጻ ጥርዓናት በርሊን – BuBS” ወግዓዊ ጻውዒት ጨረታታት ክቐርብ ምኽንያት ኮይኑ፡ እዚ ድማ ብ Johaniter-Unfall-Hilfe e.V. ሎሚ BuBS ካብ መላእ በርሊን ዝመጹ ኣሽሓት ጥርዓናት ይወስድ፣ ምስ ሰበስልጣን፣ ምምሕዳር ሰኔት (SenIAS)ን ተበግሶታት ሓገዝ ስደተኛታትን ኣብ ቀዋሚ ፍታሕ ኣብ ብፍሉይ ዝተፈጥሩ ኮሚቴታት ይሰርሕን ካብ 25 መስከረም 2021 ጀሚሩ ኣብ ሕጊ ግዝኣት በርሊን ብጽኑዕ ተሰሪዑን ኣሎ።

ኣማኻሪ ቦርዲ

ምምሕዳር ሰኔት በርሊን (SenASGIVA) ስደተኛታት ወይ ካልኦት ሰባት ብዛዕባ ዝጸንሑ ጉድለታት ጥርዓን ከቕርቡ ከለዉ የድንቖ።እቲ ዘሎ ሕጽረት  ምምሕዳራዊ ግልጋሎት ብቐፃልነት ብዝቐርቡ ጥርዓናት ክመሓየሽ ይኽእል እዩ። BuBS ዝመጽእ ጥርዓናት ኣብ ዳታቤዝ ይምዝግብን ብቐጻሊ (ከም ስሙ ዘይተገልጸ ስታቲስቲክስ) ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ንዘተ የቕርቦን። እቲ ዕላማ መዋቕራዊ ፀገማት ምቅላዕን ኣድላዪ ምምሕያሻት ንምምፃእን እዩ። እዚ ምምሕያሻት እዚ ንኣብነት ብፖለቲካዊ ይኹን ወግዓዊ ደረጃ ብዝግበር ምትዕርራይ ክረጋገጽ ይከኣል።9

ኣማኻሪ ቦርድ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ወርሒ ዝእከብ ኮይኑ ።በዞም ዝስዕቡ ዝቖመ እዩ።

  • ኣቦ መንበር፡ ስቴት ጸሓፊ ውህደትን ማሕበራዊ ጉዳያትን።
  • ወከልቲ ዝተፈላለዩ ሰበስልጣን በርሊን ብደረጃ ግዝኣትን ኣውራጃን።
  • ወከልቲ ባይቶ ስደተኛታት
  • ወከልቲ ስደተኛታት
  • ውዳበን ምሕደራን: ሰራሕተኛታት ቦብስ

ስፖንሰር፡ Johanniter-Unfall-Hilfe e.V.

ጀርመን ካብ ዘለዋ ዓበይቲ ናይ ረድኤት ትካላት ኮይኑ፡ ሃገር-ለኸ ዮሃኒተር-ኡንፋል-ሂልፈ ኢ.ቪ.፡ ኣብ ብባህሊ ፕሮቴስታንት ስርዓት ቅዱስ እቫንጋልሽ ንሰባት ኣገልግሎቱ ይህብ። ዕማማት ዮሃኒተር፡ ኣገልግሎት ህይወት ኣድሕንን ሕክምናን፡ ሲቪላዊ ሓለዋን ስልጠና ቀዳማይ ረድኤትን የጠቓልል። ብተወሳኺ፡ ክንክንን ምሕብሓብን ኣረጋውያንን ሕሙማትን፡ ናይ ገዛ ህጹጽ ጻውዒት፡ ደገፍን ክንክንን ህጻናትን መንእሰያትን፡ ስራሕ ሆስፒስ፡ ሓገዝን ምውህሃድን ስደተኛታት፡ ሓገዝ ገዛ ዘይብሎምን ካልእ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎታትን ኣሎ።

ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።