ናይ ነጻ ማአከል ጥርዓን በርሊን

Die Berliner unabhängige Beschwerdestelle

ናብ website ናይ ነጻ ማአከል ጥርዓን በርሊን አንቛዕ ብደሓን መጻአኩም።

ዕላማ ናይዚ ፕሮጀክት አዚ፣ ምምሕያሽ መነባብሮ ናይ ኣብ ናይ ሓባር መንበሪ ዝነብሩ ስደተኛታት አዩ።

ን ስደተኛታት ንምሕጋዝን ንምብርታዕን፣ ጥርዓንኩም ድማ ብቛንቛኹም ብምምዝጋብን ናብ Landesamt für Flüchtlingsangelegenheiten ብምምሕላፍን፣ ብዙሓት ሰባት ንኽሕግዝኹም ቅሩባት አዮም። ንመጻኢ ኣብቲ ማአከል ጥርዓንን ኣብ መንበሪ ቦታታትን፣ ናይ ስራሕ ወይ ዝርርብ ሰዓታት ክህሉ አዩ።

ነጻ ማአከል ጥርዓን በርሊን Berliner unabhängige Beschwerdestelle ከመይ ከም ዝሰርሕ ከምኡ እውን ኣብ ኣየኖት ጕዳያት ናባና ከተመልክቱ ከም ትክእሉ ኣብ ናይ ዝሪርብ (podcast) ኣሕጽር ኣብልና ገሊጽናልኩም ስለዘለና ብድምጽ ክትሰምዕዎ ትኽእሉ ኢኹም :

አዞም ዝስዕቡ ሰባት ናባና ክውከሱ ይኸአሉ:

  • ኩሎም ኣብ ግዝያዊ መንበሪ ኮነ ኣብ ናይ ሓባር መንበሪ ብመምርሒ ናይ Landesamtes für Flüchtlingsangelegenheiten (LAF) ዝነብሩ ስደተኛታት (ናይ መንበሪ ፍቃድ ይኹን ወይ ዝረኽብዎ ሓገዝ ብዘየገድስ / ካብ ሓላፍነት ናይ LAF ወጻኢ ዋላ አንተ ኮኑ ናይ ምምዳብ ምኽሪ ንህብ።
  • ናይ LAF ሓገዝ ዝረኽቡ ሰባት (መንበሪ ቦታ ብዘየገድስ)።
  • ሰራሕተኛታት ናይ ኣማሓደርቲ መንበሪ ቦታታትን ከምኡ ውን ናይ ጸጥታ ትካላትን።
  • ወለንተኛታት ተሓጋገዝቲ።
  • ጎረባብቲ ናይ ሓባር መንበሪ ጥርዓኖም ብዛዕባ ጉዳያት መንበሪ ምስዝኸውን (ቅቡላት ዘይኮኑ ጥርዓናት ንኣብነት: መሰረት ፖለቲካዊ ዉሳነ ዘለዎም፣ ምውሳን ቦታታት፣ ሕቶታት ናይ ስደተኛታት ምቕባል ብ ፈደራልን ብክፍሊ ሃገርን ደረጃ፣ ዓይነትን ደረጃን ሓገዛትን ካልአ ተመሳሳሊ ጉዳያትን ዝምልከት)።
  • ስደተኛታት መሰል ጥርዓኖም ኣብ ክሊ ናይ ካልኦት መንግስታዊ ትካላት ብ ደረጃ ፈደራልን ክፍለ ሃገርን ምስ ዝኸውን፣ ምኽሪ ንልግስ።
  • ንመጻኢ ኣብ ዝግበር pilot projekt አዞም ዝስዕቡ ጥርዓናት ከቕርቡ ይኽአሉ፣ ነበርቲ ናይ „Gesamtstädtischen Steuerung der Unterbringung von Wohnungslosen“ (GStU) ዝተባህለ ናይ ሓባር መንበሪ፣ ከምኡ ውን ጎረባብቲ።
አዋናዊ ጉጅለ ናይ ነጻ ማአከል በርሊን። ንመጻኢ ተወሰኽቲ ኣባላት ክጽንበርዎ ኢዮም።

ብonline ወይ ብተሌፎን ክትውከሱና ትኽእሉ ኢኹም። ወይ ድማ ኣብ እዋን ሰዓታት ስራሕ ኣብ Donaustraße ዝርከብ ማእከል ጥርዓን ክትውከሱና ትኽእሉ።
ብወገንና ድማ ናብ ብ Landesamtes für Flüchtlingsangelegenheiten (LAF) ዝመሓደር ናይ ሓባር መንበሪታት ክንመጽእ ኢና።

በዘን ዝስዕባ ቛንቛታት ኣብ ቤት ጽሕፈትና ኣብ ሰዓታት ስራሕ ኣገልግሎት ንህብ: ዓረብ, ፋርሲ, ዳሪ, አንግሊዝኛ, ቛንቛ ሩስያ, ፈረንሳይኛ, ቋንቋ ቭየትናም, ትግርኛ, ኩርዲ, ጀርመን። ብ ናይ ጸማማት ቛንቛን ናይ ካልኦትን ውን ኣገልግሎት ክንህብ ንኽእል ኢና። ኩሎም ክፍልታትና ድማ ዋላ ን ምንቅስቓስ ስንኩላን ምቹኣት እዮም።

ኩሉ ዝርርብ ብምስጢርን ኣስማት ከይተጠቕሰን ይካየድ።

እዚ ሓገዝ ብናጻ ማለት ብዘይ ክፍሊት እዩ ዝካየድ።

መወከሲ ጥርዓናት

ክንድውለልኩም ኢና።
ብመሰንጀር ኣቢልና ክንውከሰኩም ኢና።

መወከሲ ተሌፎን

ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ 09:00 – 17:00 ክትረኽቡና ትኽአሉ።

ጀርመን:
ኵሎም ሰራሕተኛታት ማአከል ጥርዓን በርሊን

ዓረብ:
+49 1520 1340131ኣንስተይቲ
+49 173 6170890ሰብኣይ
+49 174 3087100ሰብኣይ
+49 1520 1377210[ማግሬብ], ኣንስተይቲ (ሰኑይ – ሓሙስ)
+49 173 1521814ሰብኣይ
ኩርዲ:
+49 173 6170890ሰብኣይ
+49 173 1521814ሰብኣይ
+49 173 6170929ሰብኣይ
አንግሊዝኛ:
+49 173 6170724ሰብኣይ
+49 173 6170136ሰብኣይ
ቛንቛ ሩስያ:
+49 173 6170136ሰብኣይ
+49 173 6170143ኣንስተይቲ
+49 174 3087100ሰብኣይ
+49 173 6178705ሰብኣይ
+49 173 6178735ኣንስተይቲ (ሰሉስ – ዓርቢ)
ኡኩራእንሽ:
+49 173 6178705ሰብኣይ
+49 173 6178735ኣንስተይቲ (ሰሉስ – ዓርቢ)
ፋርሲን ዳሪን:
+49 173 6170865ኣንስተይቲ
+49 173 6170143ኣንስተይቲ
+49 173 6170724ሰብኣይ
+49 1520 1387488ሰብኣይ (13:30-17:30)
ትግርኛ:
+49 173 6170275ሰብኣይ (ሰኑይ – ሓሙስ)
ፈረንሳይኛ:
+49 173 1521746ኣንስተይቲ (ሰሉስ – ዓርቢ)
+49 1520 1377210ኣንስተይቲ (ሰኑይ – ሓሙስ)
ቋንቋ ቱርኪ:
+49 173 6170136ሰብኣይ
ፓሽቶ:
+49 1520 1387488ሰብኣይ (13:30-17:30)

ኣድራሻ ናይ ነጻ ማአከል ጥርዓን በርሊን

ናይ ስራሕ ሰዓታትና ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ካብ 9:00-17:00 እዩ።

Berliner unabhängige Beschwerdestelle
Donaustraße 78
12043 Berlin

ተሌፎን +49 30 816901 – 2570

ሓፈሻዊ መወከሲ: info@bubs.berlin
ሓፈሻዊ መወከሲ ናይ ጥርዓን: beschwerde@bubs.berlin

መጓዓዝያ: U-Bhf Karl-Marx-Straße ወይ ብ ኣውቶቡስ Geygerstraße (M41 ካብ Hermannplatz)