Die Berliner unabhängige Beschwerdestelle

ናብ website ናይ ነጻ ማአከል ጥርዓን በርሊን አንቛዕ ብደሓን መጻአኩም።
ዕላማ ናይዚ ፕሮጀክት አዚ፣ ምምሕያሽ መነባብሮ ናይ ኣብ ናይ ሓባር መንበሪ ዝነብሩ ስደተኛታት አዩ።
ን ስደተኛታት ንምሕጋዝን ንምብርታዕን፣ ጥርዓንኩም ድማ ብቛንቛኹም ብምምዝጋብን ናብ Landesamt für Flüchtlingsangelegenheiten ብምምሕላፍን፣ ብዙሓት ሰባት ንኽሕግዝኹም ቅሩባት አዮም። ንመጻኢ ኣብቲ ማአከል ጥርዓንን ኣብ መንበሪ ቦታታትን፣ ናይ ስራሕ ወይ ዝርርብ ሰዓታት ክህሉ አዩ።
ነጻ ማአከል ጥርዓን በርሊን Berliner unabhängige Beschwerdestelle ከመይ ከም ዝሰርሕ ከምኡ እውን ኣብ ኣየኖት ጕዳያት ናባና ከተመልክቱ ከም ትክእሉ ኣብ ናይ ዝሪርብ (podcast) ኣሕጽር ኣብልና ገሊጽናልኩም ስለዘለና ብድምጽ ክትሰምዕዎ ትኽእሉ ኢኹም :
አዞም ዝስዕቡ ሰባት ናባና ክውከሱ ይኸአሉ:
- ኩሎም ኣብ ግዝያዊ መንበሪ ኮነ ኣብ ናይ ሓባር መንበሪ ብመምርሒ ናይ Landesamtes für Flüchtlingsangelegenheiten (LAF) ዝነብሩ ስደተኛታት (ናይ መንበሪ ፍቃድ ይኹን ወይ ዝረኽብዎ ሓገዝ ብዘየገድስ / ካብ ሓላፍነት ናይ LAF ወጻኢ ዋላ አንተ ኮኑ ናይ ምምዳብ ምኽሪ ንህብ።
- ናይ LAF ሓገዝ ዝረኽቡ ሰባት (መንበሪ ቦታ ብዘየገድስ)።
- ሰራሕተኛታት ናይ ኣማሓደርቲ መንበሪ ቦታታትን ከምኡ ውን ናይ ጸጥታ ትካላትን።
- ወለንተኛታት ተሓጋገዝቲ።
- ጎረባብቲ ናይ ሓባር መንበሪ ጥርዓኖም ብዛዕባ ጉዳያት መንበሪ ምስዝኸውን (ቅቡላት ዘይኮኑ ጥርዓናት ንኣብነት: መሰረት ፖለቲካዊ ዉሳነ ዘለዎም፣ ምውሳን ቦታታት፣ ሕቶታት ናይ ስደተኛታት ምቕባል ብ ፈደራልን ብክፍሊ ሃገርን ደረጃ፣ ዓይነትን ደረጃን ሓገዛትን ካልአ ተመሳሳሊ ጉዳያትን ዝምልከት)።
- ስደተኛታት መሰል ጥርዓኖም ኣብ ክሊ ናይ ካልኦት መንግስታዊ ትካላት ብ ደረጃ ፈደራልን ክፍለ ሃገርን ምስ ዝኸውን፣ ምኽሪ ንልግስ።
- ንመጻኢ ኣብ ዝግበር pilot projekt አዞም ዝስዕቡ ጥርዓናት ከቕርቡ ይኽአሉ፣ ነበርቲ ናይ „Gesamtstädtischen Steuerung der Unterbringung von Wohnungslosen“ (GStU) ዝተባህለ ናይ ሓባር መንበሪ፣ ከምኡ ውን ጎረባብቲ።

ብonline ወይ ብተሌፎን ክትውከሱና ትኽእሉ ኢኹም። ወይ ድማ ኣብ እዋን ሰዓታት ስራሕ ኣብ Donaustraße ዝርከብ ማእከል ጥርዓን ክትውከሱና ትኽእሉ።
ብወገንና ድማ ናብ ብ Landesamtes für Flüchtlingsangelegenheiten (LAF) ዝመሓደር ናይ ሓባር መንበሪታት ክንመጽእ ኢና።
በዘን ዝስዕባ ቛንቛታት ኣብ ቤት ጽሕፈትና ኣብ ሰዓታት ስራሕ ኣገልግሎት ንህብ: ዓረብ, ፋርሲ, ዳሪ, አንግሊዝኛ, ቛንቛ ሩስያ, ፈረንሳይኛ, ቋንቋ ቭየትናም, ትግርኛ, ኩርዲ, ጀርመን። ብ ናይ ጸማማት ቛንቛን ናይ ካልኦትን ውን ኣገልግሎት ክንህብ ንኽእል ኢና። ኩሎም ክፍልታትና ድማ ዋላ ን ምንቅስቓስ ስንኩላን ምቹኣት እዮም።
ኩሉ ዝርርብ ብምስጢርን ኣስማት ከይተጠቕሰን ይካየድ።
እዚ ሓገዝ ብናጻ ማለት ብዘይ ክፍሊት እዩ ዝካየድ።
መወከሲ ጥርዓናት
መወከሲ ተሌፎን
ካብ ሰኑይ ክሳብ ዓርቢ ካብ 09:00 – 17:00 ክትረኽቡና ትኽአሉ።
ጀርመን:
ኵሎም ሰራሕተኛታት ማአከል ጥርዓን በርሊን
ዓረብ: | |
+49 1520 1340131 | ኣንስተይቲ |
+49 173 6170890 | ሰብኣይ |
+49 174 3087100 | ሰብኣይ |
+49 1520 1377210 | [ማግሬብ], ኣንስተይቲ (ሰኑይ – ሓሙስ) |
+49 173 1521814 | ሰብኣይ |
ኩርዲ: | |
+49 173 6170890 | ሰብኣይ |
+49 173 1521814 | ሰብኣይ |
+49 173 6170929 | ሰብኣይ |
አንግሊዝኛ: | |
+49 173 6170724 | ሰብኣይ |
+49 173 6170136 | ሰብኣይ |
ቛንቛ ሩስያ: | |
+49 173 6170136 | ሰብኣይ |
+49 173 6170143 | ኣንስተይቲ |
+49 174 3087100 | ሰብኣይ |
+49 173 6178705 | ሰብኣይ |
+49 173 6178735 | ኣንስተይቲ (ሰሉስ – ዓርቢ) |
ኡኩራእንሽ: | |
+49 173 6178705 | ሰብኣይ |
+49 173 6178735 | ኣንስተይቲ (ሰሉስ – ዓርቢ) |
ፋርሲን ዳሪን: | |
+49 173 6170865 | ኣንስተይቲ |
+49 173 6170143 | ኣንስተይቲ |
+49 173 6170724 | ሰብኣይ |
+49 1520 1387488 | ሰብኣይ (13:30-17:30) |
ትግርኛ: | |
+49 173 6170275 | ሰብኣይ (ሰኑይ – ሓሙስ) |
ፈረንሳይኛ: | |
+49 173 1521746 | ኣንስተይቲ (ሰሉስ – ዓርቢ) |
+49 1520 1377210 | ኣንስተይቲ (ሰኑይ – ሓሙስ) |
ቋንቋ ቱርኪ: | |
+49 173 6170136 | ሰብኣይ |
ፓሽቶ: | |
+49 1520 1387488 | ሰብኣይ (13:30-17:30) |
ኣድራሻ ናይ ነጻ ማአከል ጥርዓን በርሊን
ናይ ስራሕ ሰዓታትና ካብ ሰኑይ ክሳዕ ዓርቢ ካብ 9:00-17:00 እዩ።
Berliner unabhängige Beschwerdestelle
Donaustraße 78
12043 Berlin
ተሌፎን +49 30 816901 – 2570
ሓፈሻዊ መወከሲ: info@bubs.berlin
ሓፈሻዊ መወከሲ ናይ ጥርዓን: beschwerde@bubs.berlin
መጓዓዝያ: U-Bhf Karl-Marx-Straße ወይ ብ ኣውቶቡስ Geygerstraße (M41 ካብ Hermannplatz)