ናይ ጥርዓናት ኣገባብ
ኣብ BuBS መስርሕ ጥርዓናት ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ
መን ክረኽበና ይኽእል?
ኣብ ከተማ በርሊን ዝተመዝገቡ ስደተኛታት፡ ኣብታ ከተማ ኣበይ ይነብሩ ብዘየገድስ
ኩሎም ኣብ በርሊን ዝተመዝገቡ ስደተኛታት ብዛዕባ ሓደ ናይ በርሊን ቤሆርደ ወይ ብዛዕባ መንበሪኦም ቅረታኦም ከቅርቡ ይኽእሉ እዮም። ኣብ በርሊን እንታይ ዓይነት መንበሪ ደረጃ ኣለካ ወይ ኣበይ ከም እትነብር ፍልልይ የብሉን።
ሰራሕተኛታት ካብ መንበሪ ስደተኛታት
ሰራሕተኛታት መዕቆቢ ስደተኛታት እውን እቲ ጥርዓን ኩነታት መነባብሮ ነበርቲ ስደተኛታት ንምምሕያሽ ዝዓለመ እንተኾይኑ ጥርዓኖም ከቅርቡ ይኽእሉ እዮም።
ወለንተኛታት ደገፍቲ
ወለንተኛታት ደገፍቲ እውን ብውክልና እቶም ስደተኛታት ጥርዓን ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም።
ፍቓድ ዘለዎም ደገፍቲ ካብቲ ስደተኛ ናይ ውክልና ፍቓድ የድልዮም።
መስርሕ ጥርዓን ብኸምዚ እዩ ዝሰርሕ
መምርሒ 1
ሰራሕተኛታትና ጥርዓንኩም ብቋንቋ ኣደዂም ክወስድዎ እዮም iዓረብኛ፣ ኣዘርባጃን፣ ዳሪ፡ ጀርመንኛ፣ እንግሊዝኛ፣ ፋርሲ፣ ፈረንሳ፣ ኩርዲ፣ ማኒንካ፣ ፓሽቶ፣ ሩስያ፣ ጆርጅያዊ፣ ቋንቋ ቭየትናም፣ ትግርኛ፣ ቱርኪን ዩክሬንኛን ንዛረብ። ምትርጓም ቋንቋ ምልክትን ካልእ ቋንቋታትን ከነዳሉ ንኽእል ኢና። ።
Unsere Mitarbeiter:innen nehmen Ihre Beschwerde in Ihrer Muttersprache iWir sprechen Arabisch, Aserbaidschanisch, Dari, Deutsch, Englisch, Farsi, Französisch, Kurdisch, Maninka, Paschto, Russisch, Tigrinya, Türkisch und Ukrainisch. Sprachmittlung für andere Sprachen und für Gebärdensprache kann organisiert werden. auf.
ብተሌፎን፡ ብመንገዲ ኣብ መርበብ ሓበሬታና ዘሎ ናይ ርክብ ቅጥዒ፡ ብኢመይል፡ ብመልእኽቲ ወይ ድማ ናብ ቤት ጽሕፈትና ኣብ Neukölln ክትመጹ ትኽእሉ ኢኹም።
ምስ ጓል ኣንስተይቲ ዲኹም ምስ ወዲ ተባዕታይ ክትዛረቡ ትደልዩ ትውስኑ ባዕልኹም እኹም።
ኣብ LAF መንበሪ ትነብር ዲኻ? ድሕሪኡ ኣብቲ ናይ BuBS ናይ ምምኽኻር ሰዓታት ብቐጥታ ምስቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣማኸርቲ ጥርዓናትና ክትዛረቡ ትኽእሉ ኢኹም። ናይ BuBS ናይ ምምኽኻር ሰዓት ኣብ ወርሒ ሓደ ወይ ክልተ ግዜ ይካየድ። እተን ዕለታት ኣብቲ መንበሪ ኣባይቲ ተለጢፈን ኣለዋ።
ኩሉ ዝርርባት ምስጢራዊ ኮይኑ፡ ጥርዓናት ስሞም ዘይተገልጸ ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓበሬታ እንተደሊኹም ጥራይ ኢና ነካፍል።
እዚ ማለት፤
- ስምኩም ወይ ርክብኩም ኣይንካፈልን ኢና።
- ምሳና ከም ዝነበርካ ንማንም ኣይንነግሮን ኢና።
- ብዛዕባ ዘዕለልካና ንማንም ኣይንነግሮን ኢና።e
- ስምካ ክትነግረና ኣየድልየካን እዩ።
መምርሒ 2
ማሕበራዊ ጉጅለና ብኸመይ ከም እትቕጽሉን ጥርዓንኩም ከም እትጽሕፉን ክመኽረኩም እዩ። በቲ ትደልዮ መንገዲ። ናትኩም ኢና ንትርጉም ጥርዓን ናብ ጀርመንኛ ምቕራብን ናብ ዝምልከቶ በዓል መዚ የመሓላልፎን።
Unser Sozialteam berät Sie über die weitere Vorgehensweise und schreibt Ihre Beschwerde so, wie Sie es möchten. Wir übersetzen Ihre Beschwerde dann ins Deutsche und leiten diese an die zuständige Behörde weiter.
ኩሉ ዘድሊ ሓበሬታን ሰነዳትን እንተሃልዩና እቲ ቢሮክራሲያዊ ስራሕ ንዓኻትኩም ወሲድና ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ነቲ ጥርዓን ናብቲ ሓላፍነት ዘለዎ ኣካል ከነመሓላልፎ ኢና። ኣብ ኣዝዩ ህጹጽ ኩነታት ነቲ ጥርዓን ብቕልጡፍ ክንሰርሖን ከነመሓላልፎን ኢና። ቅዳሕ ናይቲ ናብ ቤሆርደ ዝለኣኽናዮ ደብዳበ ክመጸኩም እዩ።
ኣገዳሲ መተሓሳሰቢ፡ BuBS ብወግዒ ብምምሕዳር ሰኔት በርሊን ዝተኣዘዘ ኮይኑ፡ ካብ ሰበስልጣንን ኦፕሬተራት መንበሪ ኣባይትን ግን ነጻ እዩ።
እዚ ማለት፤
- እቶም ሰበስልጣንን ኦፕሬተራትን ሓለፍትና ወይ መሳርሕትና ኣይኮኑን።
- ሰበስልጣንን ኦፕሬተራትን ዝኾነ ዳታ፣ ሰነድ ወይ ሓበሬታ ካባና ክሓቱ ኣይክእሉን እዮም።
መምርሒ 3
ብዛዕባ ጥርዓንኩም ቤሆርደ ዝሃቦ መልሲ ዝኾነ ሕቶታት ምስ ዝህልወኩም ክንሕግዘኩም ኢና።
Bei Fragen zur Antwort der Behörde auf Ihre Beschwerde helfen wir Ihnen gerne.
እቲ ዝርዝር መልሲ ደብዳበ ብቐጥታ ካብቲ ዝምልከቶ ኣካል ክመጸኩም እዩ። ስምኩምን ዝርዝር ርክብኩምን ናብ ሰበስልጣን ክመሓላለፍ ከምዘይትደልዩ እንተ ወሲንኩም፡ ነቲ ዝርዝር ርእይቶ ክንቅበል ፍቓድ ክትህቡና ትኽእሉ ኢኹም፡ እዚ ድማ ናባኹም ክንሰደልኩም ኢና።
ነቲ ናይ መልሲ ደብዳበ ክንትርጉመልኩምን ኣድላዪ እንተኾይኑ ድማ ብዛዕባ ዝቕጽል ስጉምትታት ምሳኹም ክንዘራረብን ብሓጎስ ንገልጽ።
ካብ ቤሆርደ ዝወሃብ ምላሽ ነዊሕ እንተወሲዱ ብርግጽ ክንከታተሎ ኢና።
ብ ከመይ እዩ ጥርዓነይ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል?
ጽሬት ናይቲ መንበሪ ኣባይትን ስራሕ ቤሆርደታት በርሊንን ንምምሕያሽ፡ ኩሉ ዝመጽእ ጥርዓናት ኣብ ስታቲስቲክስ እውን ይምዝገብ። ውልቃዊ መረዳእታኻ ኣብዚ ስታቲስቲክስ ኣይምዝገብን እዩ። እቲ ገምጋም ናይቲ ስታቲስቲክስ ብቐጻሊ ናብ ሓደ ምስ ቤት ጽሕፈት ጥርዓናት (ኣማኻሪ ቦርድ) ርክብ ዘለዎን ካብ ቤሆርደ ዝመጹ ላዕለዎት ሰራሕተኛታት ከምኡ’ውን ስደተኛታት ሓዊሱ ወከልቲ ሲቪላዊ ማሕበራት ዝሓቖፈ ኮሚተ ይመሓላለፍ። እዚ ኮሚቴ ብስታቲስቲካዊ ኣገባብ ዝተገምገመ ጥርዓናት መሰረት ብምግባር ምስቶም ጥርዓናት ዝተለለዩ ጉድለታት ንምውጋድ መሰረታዊ ለውጢ ኣድላዪ ድዩ ኣይኮነን ይውስን።
ኣየኖት ቅሬታታት ኢና ንቕበል?
ንኹሉ ንመዕቆቢ ስደተኛታት ወይ ንበርሊን ቤሆርደ ዝምልከት ጥርዓናት ንቕበል።እቲ ጥርዓን ንBuBS ዝምከት እንተዘይኮይኑ ምስቲ ትኽክለኛ ቦታ ክንራኸበኩም ኢና።
ጥርዓን ንኣብነት፤
- ካብ LAF/ማእከል ስራሕ/ቤት ጽሕፈት ማሕበራዊ ጉዳያት ዝመጽእ ናይ ገንዘብ ክፍሊት ብዝምልከት ንነዊሕ እዋን ክትጽበ ጸኒሕካ።
- ኣብ ክሽነታት ወይ ኣብ ክፍልታት ኣብ ዝርከብ መንበሪ ኣባይቲ ባልዕ ስለዘሎ፡ ዋላ እኳ ጥርዓን እንተቕረብካሎም፡ ኣካየድቲ ኣይከናኸንዎን እዮም።
- ኣብ መንበሪ ገዛኻ በጻሕቲ ክህልዉኻ ኣይፍቀደካን እዩ።
- ኣብቲ መንበሪ ዋይፋይ ስለዘየለ፡ ውላድካ ኣብ ኦንላይን ትምህርቲ ክሳተፍ ኣይክእልን እዩ፡ ንስኻ ድማ ብኢንተርነት መመልከቲ ከተቕርብ ኣይትኽእልን ኢኻ።
- LAF ንኢ-መይላትካ መልሲ ኣይህብን ወይ ብተሌፎን ክትረኽቦም ኣይትኽእልን ኢኻ።
- ሕዱር ሕማም ኣለካ፡ ግን ንሰሙናት ካርድ መድሕን ጥዕናኻ ክትጽበ ጸኒሕካ።
- ሓድሽ ናይ ትምህርቲ ዓመት ተጀሚሩ ውላድካ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቦታ ኣይረኸበን።
- ኣብቲ መንበሪ ወይ ኣብ ሓደ መንግስታዊ ትካል ብኣባላት ጸጥታ ተፈራሪሕካ ወይ ተጸሪፍካ።
ንጸገምኩም ትኽክለኛ ቦታ ምዃንና ርግጸኛታት እንተዘይኮይንኩም ክትረኽቡና ድሕር ኣይትበሉ። ነዚ ብሓባር ፍታሕ ክንረክበሉ ንኽእል ኢና።
ሰነዳትን ሓለዋ መረዳእታን፤
ኩሉ ዝቐርብ ሓበሬታ ብኣና (ብዲጂታልን ብወረቐትን) ክስነድ እዩ። እቶም ሓላፍነት ዝስከሙ ሰራሕተኛታት BuBS ጥራይ እዮም ዳታኻ ዝረኽቡ። ሓበሬታ እንተደሊኹም ጥራይ ኢና ነካፍል። ኩሉ ዝወሃብ ሓበሬታ ድሕሪ ሓደ ዓመት ክስረዝ እዩ። እቶም ጥርዓን ዘቕረቡ ሰባት ኣብ ዝኾነ እዋን ውልቃዊ መረዳእታኦም ናይ ምርኣይ፣ ምእራም ወይ ምምላእ መሰል ኣለዎም። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ትሕቲ ኣዋጅ ሓለዋ መረዳእታ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ሕቶታትን መልስታትን
ጥርዓን ዘቕረቡ ሰባት
መን እዩ ናብ BuBS ጥርዓን ከቕርብ ዝኽእል?
- ኣብ በርሊን ዝተመዝገቡ ስደተኛታት፡ ኣብ መንበሪ ይኹን ኣብ ኣፓርታማ ይነብሩ ብዘየገድስ
- ካብ ሓገዝቲ ስደተኛታት ናይ ምሉእ ግዜ ሰራሕተኛታት
- ወለንተኛታት ደገፍቲ
ፍቓድ ዘለዎም ደገፍቲ ካብቲ ስደተኛ ናይ ውክልና ስልጣን የድልዮም።
ብዛዕባ እንታይ ክጠርዕ ይኽእል?
ንኹሉ ንመዕቆቢ ስደተኛታት ወይ ንበዓል መዚ በርሊን ዝምልከት ጥርዓናት ንቕበል። ብዛዕባ ዝኾነ ይኹን።
ጥርዓን ንኣብነት፤
- ካብ LAF/ማእከል ስራሕ/ቤት ጽሕፈት ንማሕበራዊ ጉዳያት ዝምልከት ናይ ጥቕሚ መፍለጢኹም ንነዊሕ እዋን ክትጽበዩ ጸኒሕኩም።
- ኣብ መንበሪ ገዛኻ በጻሕቲ ክህልዉኻ ኣይፍቀደካን እዩ።
- ሓድሽ ናይ ትምህርቲ ዓመት ተጀሚሩ ውላድካ ኣብ ቤት ትምህርቲ ቦታ ኣይረኸበን።
ኣብ ላዕሊ ናይቲ ገጽ ሓያሎ ኣብነታት ኣለዉ።
ንጸገምኩም ትኽክለኛ ቦታ ምዃንና ርግጸኛታት እንተዘይኮይንኩም ክትረኽቡና ድሕር ኣይትበሉ። ነዚ ብሓባር ክንፈትሖ ንኽእል ኢና።
ከመይ ጌረ ናብ BuBS ከማርር ይኽእል?
ብተሌፎን፡ ብመንገዲ ኣብ መርበብ ሓበሬታና ዘሎ ናይ ርክብ ቅጥዒ፡ ብኢመይል፡ ብዋትስኣፕ ወይ ድማ ናብ ቤት ጽሕፈትና ኣብ Neukölln ክትመጹ ትኽእሉ ኢኹም።
ኣብ LAF መንበሪ ትነብር ዲኻ? ድሕሪኡ ኣብቲ ናይ BuBS ናይ ምምኽኻር ሰዓታት ብቐጥታ ምስቶም ኣብኡ ዘለዉ ኣማኸርቲ ጥርዓናትና ክትዛረቡ ትኽእሉ ኢኹም። ናይ BuBS ናይ ምምኽኻር ሰዓት ኣብ ወርሒ ሓደ ወይ ክልተ ግዜ ይካየድ። እተን ዕለታት ኣብቲ መንበሪ ኣባይቲ ተለጢፈን ኣለዋ።
ጥርዓነይ እንታይ ይኸውን?
መጀመርያ ብዛዕባ እንታይ ትማረር ከም ዘለኻን ብእኡ እንታይ ዕላማ ክትበጽሕ ከም እትደሊን ምሳኻ ነነጽር። ማሕበራዊ ጋንታና ጥርዓንኩም በቲ ትደልዮ መንገዲ እያ ትጽሕፎ። ብድሕሪኡ ጥርዓንኩም ናብ ጀርመንኛ ተርጒምና ናብቲ ሓላፍነት ዝስከም ኣካል ከነመሓላልፎ ኢና። ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣብ ላዕሊ ናይዚ ገጽ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም።
BuBS እንታይ ይገብር?
ናይቶም ስደተኛታት ጥርዓናት መዝጊብና ናብቶም ሓላፍነት ዘለዎም ሰበስልጣን በርሊን ነመሓላልፎ። ብተወሳኺ ጽሬት መንበሪ ኣባይትን ስራሕ ሰበስልጣን በርሊንን ንምምሕያሽ ስሙ ዘይተገልጸ ስታቲስቲክስ ንፈጥር።
BuBS እንታይ እዩ ዘይገብር?
- ሕጋዊ ይኹን ማሕበራዊ ምኽሪ ኣይንህብን ኢና።
- ኣብ ምድላይ ኣፓርታማ፡ መዓልታዊ መዕበዪ ህጻናት፡ ቤት ትምህርቲ ወይ ስራሕ ኣይንሕግዝን ኢና።
- ኣብ ትርጉም ወይ ምትርጓም ኣይንሕግዝን ኢና።
- ዝኾነ ይኹን ብዘየገድስ ኣብ ዶክመንቲ ምምላእ ኣይንሕግዝን ኢና።
ዝኾነ ነገር ክኸፍል ኣለኒ ድዩ?
አይክፈሊን
ስመይ ከይገለጽኩ ከማርር ይኽእል ድየ?
እወ. ኩሉ ምሳና ዝግበር ዝርርባት ብመሰረቱ ምስጢራዊ እኳ እንተኾነ ስምካ ክትነግረና ግን ኣየድልየካን እዩ።
ውልቃዊ ሓበሬታኻ ንዝኾነ ሰብ ከይትካፈል እውን ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ሓበሬታ እንተደሊኹም ጥራይ ኢና ነካፍል።
ይኹን እምበር ስሙ ዘይተገለፀ ጥርዓን ኣብ ዝቐርበሉ እዋን እቲ ጥርዓን ብዝምልከቶ ኣካል ክምርመር ከምዝኽእል ውሕስና ክወሃቦ ኣይኽእልን።
"ስሙ ዘይተገልጸ" ማለት እንታይ ማለት እዩ?
እዚ ማለት ጥርዓን ንምቕራብ ስምካ ወይ ብሓፈሻ ውልቃዊ ሓበሬታኻ ክትህበና ኣየድልየካን ማለት እዩ።
ውልቃዊ መረዳእታኻ እንተሂብካ ግን ጥርዓንካ ስሙ ከይተገልጸ ናብቲ ሓላፍነት ዝስከም ኣካል ክመሓላለፍ እንተደሊኻ፡ እዚ ማለት ድሕሪ ደጊም መንነትካ ካብቲ ጥርዓን ክውሰን ኣይክእልን ማለት እዩ።
ይኹን እምበር ስሙ ዘይተገለፀ ጥርዓን ኣብ ዝቐርበሉ እዋን እቲ ጥርዓን ብዝምልከቶ ኣካል ክምርመር ከምዝኽእል ውሕስና ክወሃቦ ኣይኽእልን።
"ኩሉ ዕላላት ምስጢራዊ እዩ" ማለት እንታይ ማለት እዩ?
እዚ ማለት፤
- ስምኩም ወይ ርክብኩም ኣይንካፈልን ኢና።
- ምሳና ከም ዝነበርካ ንማንም ኣይንነግሮን ኢና።
- ብዛዕባ ዘዕለልካና ንማንም ኣይንነግሮን ኢና።
ስመይ፡ ቁጽሪ ተሌፎነይ ወይ ካልእ ውልቃዊ ሓበሬታይ ምስ ካልእ ሰብ ወይ ትካል ክካፈል ድዩ?
አይመሓላለፍን. ከምኡ ክንገብር ፍቓድ እንተሂብኩምና ጥራይ ኢና ናብ ካልእ ሰብ ወይ በዓል ስልጣን ከነመሓላልፎ።
BuBS ጥርዓነይ ናይ ምፍታሽን ግብረ መልሲ ናይ ምሃብን ሓላፍነት ኣለዎ ድዩ?
የብሉን. ነቲ ጥርዓን ናይ ምምርማርን መልሲ ናይ ምሃብን ሓላፍነት የብልናን። እቲ ጥርዓን ዝተቐበለ በዓል መዚ በርሊን ተሓታቲ እዩ። ነቲ ጥርዓን ንሰዶን ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ናይቲ ግብረ መልሲ ጥራይ ኢና ንሓትት።
ኣነ ቋንቋ ጀርመን ኣይዛረብን እየ። ግን ጥርዓን ከቅርብ ይኽእል ድየ?
እወ. ነቲ ጥርዓን ብቋንቋ ኣደኻ ከተቕርቦ ትኽእል ኢኻ። ልዕሊ 16 ቋንቋታት ንዛረብ ኢና፡ ንኻልኦት ቋንቋታትን ቋንቋ ምልክትን ውን ዝሕግዙ ሰባት ከነዳሉ ንኽእል ኢና።
ውልቃዊ ዳታይን ንBuBS ዝህቦ ሓበሬታን እንታይ ይኸውን?
እቲ ዳታ ነቲ ጥርዓን ንምስራሕን ንምሕንፃፅን ዝውዕል እዩ። ፍቓድ ምስ ትህቡና ጥራይ ኢና ናብቲ ሓላፍነት ዝስከም ኣካል ምእንቲ ነቲ ጥርዓን ክምርምሮ ከነመሓላልፎ። እዚ እንተዘይደሊኹም ነቲ ጥርዓን ስሞም ከይገለጽና ከነመሓላልፎ ኢና።
ኩሉ ዳታ ድሕሪ ሓደ ዓመት ከይተሓተተ ክስረዝ እዩ።
ኣብ BuBS ንዝቐረበ ጥርዓን ንምስራሕን ናብቲ ሓላፍነት ዝስከም ቤት ፅሕፈት ንምትሕልላፍን ክንደይ ግዜ ይወስድ?
ነቲ ጥርዓን እንተበዝሐ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንሰርሖን ናብቲ ዝምልከቶ በዓል መዚ ነመሓላልፎን። ኣብ ህጹጽ ኩነታት ነቲ ጥርዓን ብቕልጡፍ ንሰርሖን ንሰዶን። ቅዳሕ ናይቲ ናብ ዝምልከቶ ቤት ጽሕፈት ዝለኣኽናዮ ደብዳበ ክመጸኩም እዩ።
ካብ ቤሆርደ መዓስ እየ መልሲ ክረክብ?
ብርግጽ ክንድዙይ ግዘ ይወስድ ክንብል ኣይንኽእልን። ኣብ ቤሆርደን ጥርዓንን እዩ ዝምርኮስ።
ንኣብነት ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ስደተኛታት መንግስቲ (LAF) ነቲ ጥርዓን ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ይምርምሮ። ከከም ጥርዓን ሓደ ሓደ ግዜ ዝያዳ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ።
ካብ ቤሆርደ ዝወሃብ ምላሽ ነዊሕ እንተወሲዱ ብርግጽ ዳግማይ ክንከታተሎ ኢና።
ብዛዕባ ውጽኢት ጥርዓነይ ብኸመይ ይፈልጥ?
ካብቲ ጥርዓንኩም ዘመሓላለፍናሉ ብቑዕ በዓል መዚ ብቐጥታ ዝርዝር ርእይቶ ክትረኽቡ ኢኹም። እቲ ርእይቶ ናብቲ ዝሃብኩሞ ዝርዝር ርክብ (ኣድራሻን/ወይ ኢመይልን) ክለኣኸኩም እዩ። ዳታኹም ናብቲ ዝምልከቶ በዓል መዚ ክሕበር ከም ዘይትደሊዩ እንተሓቢርኩምና ፍቓድ ክትህበና ትኽእል ኢኹም። ብድሕሪኡ እቲ ግብረ መልሲ ንረክብ እሞ ናባኻትኩም ነመሓላልፍ።
ጥርዓንኩም ስሞም ከይገለጽኩም ኣቕሪብኩምልናን ዝኾነ ይኹን ዝርዝር ርክብ እንተዘይሃብኩምን ግን ውጽኢት ናይቲ ጥርዓን ክንሕብረኩም ኣይከኣልን እዩ።
ምጥራዕ ብሓቂ ምሓገዘኒ ዶ?
ጥርዓንካ ንጸገምካ ከም ዝፈትሖ ውሕስነት ክንህብ ኣይንኽእልን ኢና፣ ምኽንያቱ ጥርዓንካ ናይ ምጽራይ ሓላፍነት ስለዘይብልና።
እቲ ርግጸኛ ዝኾነ ነገር ስቕ ምባል ሽግርካ ከምዘይፈትሖን ብንጥፈት ፍታሕ ምድላይ ይሓይሽ።
ክሳብ ሕጂ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ጥርዓናት ዝበጽሑ ኮይኖም፡ ካብዚኦም ኣስታት 65% ፍታሕ ረኺቦም ኣለዉ። ስለዚ፡ እንተ ኣማርርካ፡ ጸገምካ ናይ ምፍታሕ ዕድልካ ጽቡቕ እዩ።
እቲ ጥርዓን ዝክፈል የብሉን ብኣና ንምቕራብ ድማ ኣዝዩ ቀሊልን ዘይቢሮክራስያውን ይገብሮ።
እንተ ጠርዐ ኣብ ጸገም ከይኣቱ እፈርሕ።
ኣብ ጀርመን ኩሉ ሰብ ክጠርዕን መሰሉ ክሓትትን መሰል ኣለዎ።
ብርግጽ ብሰንኪ እቲ ጥርዓን ኣብ መንበሪ ገዛኻ ይኹን ምስ በዓል መዚ ዝኾነ ይኹን ጸገምካ ከጋጥመካ የብሉን።
እቲ ጥርዓን ጸገምካ ክፈትሕ ይኽእል እዩ!
ኣብ ዝኾነ ግዘ ስምኩም ከይገለጽኩም ጥርዓን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም፡ ስምኩም ክትህቡና ኣየድልየኩምን።
ርኸቡና! እንታይ ክትገብሩ ዝበለጸ ምዃኑ ክንመኽረኩም ቅሩባት ኢና።
ኣሉታዊ መልሲ መጺኡኒ። ሕጂ እንታይ ክገብር ይኽእል?
ዳግማይ ክትረኽቡና ትኽእሉ ኢኹም ምእንቲ ብሓባር ክውስዱ ዝኽእሉ ተወሳኺ ስጉምትታት ከነነጽር። ብመንገዲና ድማ ኣንጻር እቲ ኣሉታዊ ርእይቶ ሓድሽ ጥርዓን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ብተወሳኺ ኣየኖት ኣካላት ወይ ቤት ጽሕፈታት ክትረኽብዎም ከም እትኽእሉ ዝያዳ ክሕግዝኹም ከም ዝኽእሉ ክንመኽረኩም ኢና።
BuBS ናጻ ድዩ? / ስራሕቲ ቡቢስ ብኸመይ ይምወል?
ቤት ጽሕፈት ናጻ ጥርዓናት በርሊን ብወግዒ ብምምሕዳር ስኔት በርሊን ዝተኣዘዘን ዝምወልን ዋላ እዄ እተኾነ ፤ ካብ ቤት ጽሕፈታት በርሊንን (በሆርደ) ኣካየድቲ መንበሪ ኣባይትን ግን ነጻ እዩ።
እዚ ማለት፤
- እቶም ሰበስልጣንን ኦፕሬተራትን ሓለፍትና ወይ መሳርሕትና ኣይኮኑን።
- ሰበስልጣንን ኦፕሬተራትን ዝኾነ ዳታ፣ ሰነድ ወይ ሓበሬታ ካባና ክሓቱ ኣይክእሉን እዮም።
BuBS ዝያዳ ጥርዓናት እንተመዝጊቦም ዝያዳ ገንዘብ ይረኽቡ ድዮም?
አይኮንን. ንስራሕና መተባብዒ ስርዓት የብልናን።
ሰራሕተኛታት BUBS ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ወይ ኣብ ሓደ ናይ በርሊን ቤሆርደ ይሰርሑ ድዮም?
አይኮንን. ንሕና ናጻ ኣካል ኢና። ሰብመዚን ኦፕሬተራትን መንበሪ ኣባይቲ ሓለፍትና ወይ መሳርሕትና ስለዘይኮኑ ዝኾነ ዳታ፣ ሰነድ ወይ ሓበሬታ ካባና ክሓቱ ኣይክእሉን እዮም።
ብዛዕባ BAMF ኣብ BuBS ክጠርዕ ይኽእል ድየ?
አይኮንን. BAMF ናይ በርሊን በዓል መዚ ዘይኮነስ ናይ ፌደራል በዓል መዚ (ንኹላ ጀርመን) እዩ። ንሓደ በዓል መዚ በርሊን ወይ ንመዕቆቢ ስደተኛታት ዝምልከት ጥርዓናት ጥራይ ኢና ክንቅበል እንኽእል።
ዕላማ ቡቢስ እንታይ እዩ?
ዕላማና ድማ፤
- ምምሕያሽ ኩነታት ስደተኛታት ኣብ በርሊን
- ምስ ስደተኛታት፡ ሰበስልጣንን ወሃብቲ መንበሪ ኣባይትን ብሓባር ዝበለጸ ፍታሕ ምርካብ
- ኣብ ሰበስልጣን በርሊን ዝካየድ መስርሕ ዝሓየለ ስደተኛታት ዝቐንዐ
- ስደተኛታት ብዛዕባ መሰላቶም ምምሃርን ንናይ መንበሪ ኣባይቲ ኦፕሬተራት ኣብ ምሕደራ ፅሬት ምድጋፍን።
-ቀጽሪ BuBS ካብ መሰናኽል ነጻ ተበጻሒ ዲዩ?
ኢወ
ፖድካስትና
ነጻ ቤት ጽሕፈት ጥርዓናት በርሊን ከመይ ከም ዝሰርሕን ኣየኖት ጉዳያት ክትረኽቡና ከም እትኽእሉን ኣብ ፖድካስት ኣጠቓሊልናልኩም ኣለና።